Get Mystery Box with random crypto!

Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Logo del canale telegramma kulumedia - Kulu Media ኩሉ ሚድያ K
Logo del canale telegramma kulumedia - Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Indirizzo del canale: @kulumedia
Categorie: Uncategorized
Lingua: Italiano
Abbonati: 15.19K
Descrizione dal canale

Welcome To Kulu Media ኩሉ ሚድያ
ኩሉ ሚድያ - ፍልፍል ፅፉፍን እዋናውን ሓበሬታ
Kulu Media - A source of Latest & Reliable Information.
Subscribe on YouTube
https://youtube.com/c/KuluMedia
Follow us on Facebook
https://facebook.com/KuluMedia

Ratings & Reviews

4.33

3 reviews

Reviews can be left only by registered users. All reviews are moderated by admins.

5 stars

2

4 stars

0

3 stars

1

2 stars

0

1 stars

0


Gli ultimi messaggi

2023-07-06 13:48:02 ኣብይ ንTDF ፋኖ ንምጥፋእ ንክሕግዝዎ ተማሕፂኑ


371 views10:48
Aprire / Come
2023-07-02 15:09:20 ሰበር ዜና | "ኣይሓገዘናን" ትግራይ | 25 ሰነ 2015 ዓም | Kulu Media - ኩሉ ዜና


636 views12:09
Aprire / Come
2023-07-02 09:27:56
የኣማራ ክልል ባለስልጥናት በመሃካልቸው የተፈጥረው ኣለመተማመን የጠባቂዎቻቸው ቁጥር እንዲጭምሩ ምክንያት እየሆነ እንደሆነ ተነገረ



በደብረወርቅ ዛሬ የተካሄደው የፋኖ እናብልጽግና ሽምግልና መክሸፉ ተከትሎ የምስራቅ ጎጃም ባለስልጣን ዛሬ ከ10:00-12:00 በደብረወርቅና በመርጦ ለማርያም ባለስልጣን ደህንነት ጉዳይ ስብሰባ ተቀምጠው እንደነበረ የተነገረ ሲሆን፡



የደብረወርቅና የመርጦ ለማርያም ባለስልጣናት ከፍተኛ የጸጥታ ችግር እንዳለባቸው የዞኑ ባለስልጣናት ብስብሰባው ላይ ስምምነት ላይ ከደረሱ ቡሃላ በሁለቱ ከተማዎች ባለስልጣናትን የሚጠብቅ ሁለት መቶ- ሁለት መቶ አድማ በታኝ በቋሚነት እንዲመደብ መውሰናቸው ተሰምተዋል



ከነገ ጀምሮ ይህ ሀይል በተጠቀሱት ከተሞች እንደሚሰመራ የተነገረው ሲሆን ከደብረወርቅ በተገኘ መረጃ ለዚህ ሀይል መኖሪያ ደርግ ያሰራው የእርሻ ሰብል አዳራሽ ስለሆነ ይህ አዳራሽ ነገ ጠዋት እንዲፀዳ ትዛዝ መሰጠቱም ተሰምተዋል፡


የተገኘው መረጃ እንደሚጠቁመው ባለስልጣኑ ቢሮ ሲገቡ ይህ ሀይል ቢሯቸው ሆኖ ይጠብቃቸዋል፣ ቤታቸው ሲሄዱም ቤታቸው አብሮ ሄዶ እንደሚጠብቃቸው ተሰምትዋል


የኣማራ ክልል ብልጽግና ፓርቲ ኣመራሮች እንደዚህ ኣይነት ኣጣብቂኝ ውስጥ በመግባታቸው እርስበራሳቸው ያላቸው መተማመን እና ትስስር እየላላ እንድሄድ ምክንያቱ እየሆነ መሁኑም ተነግረዋል

More info t.me/KuluMedia
ኩሉ ሚድያ
ድምፂ ሓቂ
576 viewsedited  06:27
Aprire / Come
2023-06-14 18:43:24 መግለፂ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ
-----
ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ረዲኤት ንከፃሪ መምርሒ ዝተውሃቦ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ዛጊድ ብዝገበሮ ምፅራይ ምጥፍእፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላኽቱ ርካባትን ተጠርጠርትን ከም ዘለው ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ኣፍሊጡ።
እዚ ርካብ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ዝተሳተፍሉ ኮይኑ እናሃልወ ህዝቢ ትግራይ ረዲኤት ተኸልኪሉ ኣደዳ ጥሜትን ሞትን ክኾዉን ኣግባብነት ስለዘይብሉ ትካላት ተራድኦ ጠጠው ዘበለኦ ሓገዘ ቀልጢፈን ክጅምራ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ፀዊዖም።
------
ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ምፅራይ ዝተጠፋፍአ ሰብኣዊ ረዲኤትን ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ እቲ ሓይሊ ዕማም ዛጊድ ብብርኪ ክልልን ዞባን ዝተጣየሹ ኮሚቴታት ብዘካየድዎ ምፅራይ ምጥፍእፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላኽቱ ርካባትን ተጠርጠርትን ከም ዘለው ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ተግባራት ስርቅን ምጥፍፋእ እቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቐንዱ 5 ኣካላት ተዋሳእቲ ዝነበሩ እንትኾኑ ንሳቶም ድማ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ፣መሓዉር መንግስቲ ፌዴራል ፣መሓውር መንግስቲ ትግራይን ኣተሓባበርቲ ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ዝኾኑ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ሓቢሮም።
ውፅኢት እቲ ዛጊድ ዝተገበረ ምፅራይ ከም ዘመላኽቶ ድማ ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕ፣ ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ 186 ተጠርጠርቲ ከምዝተረኸቡን 7 ድማ ኣብ ቀይዲ ሕጊ ከም ዝኣተውን እቶም ጀነራል ሓቢሮም።
ብመዳይ ዝተጠፋፍአ ረዲኤት ዝምልከት ድማ :-
፩.ሰራዊት ኤርትራ ኣካል እቲ ኣብ ትግራይ ዝፈፀሞ ጀኖሳይድ ዛጊድ ብዝተገበረ ምፅራይ
ስርናይ 14 ሽሕን 440 ኩንታል
ዘይቲ 43 ሽሕን 200 ሊትሮ
ዓተር 1440 ኩንታል
፪.መሓዉር ፌዴራል
ስርናይ 43 ሽሕን 196 ኩንታል
ዘይቲ 129 ሽሕን 585 ሊትሮ
ዓተር 4184 ኩንታል
፫.ብመሓውር መንግስቲ ትግራይ
ስርናይ 14 ሽሕን 317 ኩንታል
ዘይቲ 42 ሽሕን 759 ሊትሮ
ዓተር 1424 ኩንታል
ካብ ትካላት ተራድኦ ዝተልኣኸ ሰብኣዊ ረዲኤት ከም ዝተጠፋፈአ ርካባት ከም ዝተረኸበ ሓቢሮም።
እቲ ሓይሊ ዕማም ጀሚርዎ ዘሎ ስራሕቲ ምፅራይ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉን ርካባቱ እዉን ንህዝቢ በቢእዋኑ ዕላዊ ከም ዝገብር ዝገለፁ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ማንጁስ እቲ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ርካባት ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ግና ትካላት ተራድኦ ሓገዘን ጠጠው ዘብል ከም ዘይኮነን እዚ ተግባር ፀገም ሕ/ሰብ ዘበኣእስ ብምዃኑ ቀልጢፈን ክጅምራ ፀዊዖም።
895 views15:43
Aprire / Come
2023-06-14 18:43:22 መግለፂ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ
694 views15:43
Aprire / Come
2023-06-13 19:13:54
ኒውዮርክ ከተማ የመስመጥ አደጋ እንዳንዣበበባት ተገለጸ

በኒውዮርክ በየዓመቱ የሚካሄዱ የግንባታ ስራዎች ለከተማዋ መስመጥ ምክንያት ይሆናሉ ተብሏል። የዓለም ዲፕሎማሲ ማዕከል የሆችው ኒውዮርክ የመስመጥ አደጋ እንዳንዣበበባት የከርሰ ምድር ባለሙያዎች ተናግረዋል።

አል ዐይን
747 views16:13
Aprire / Come
2023-06-11 15:03:53
ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ባህርዳር ኣትዩ።


ብፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ባህርዳር ሎሚ ረፋድ ኣትዩ ኣሎ ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ ባህርዳር ደ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ምስ በጽሐ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕን ፕሬዝዳንትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ክልልን ተቐቢሎምዎ ኣለው ።


ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን እቲ ሉኡኽ ጉጀለን ምስ ሓላፊ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ዶ/ር ይልቃል ከፋለ ን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ኣብ ርክብ ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይ ኣድሂቦም ክላዘቡ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ



ብተወሳኺ ድማ ኣብ ጉዳይ ራያን ምዕራብ ትግራይን ኣመልኪቱ ፖለቲካዊ ልዝባት ንተኸታታሊ ክልተመዓልታት ድሕሪ ምክያዱ ሓበራዊ መርገጺ ተታሒዙ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ምንጭታት ሓቢሮም ኣለው ።


ሎሚ ረፋድ ናብ መቐለ ምስ ዘመርሐ ሉኡኽ ጉጀለ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ዝዘተየ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምቕናዕ ምስ ኣመራርሓ እቲ ክልል ሰፋሕቲ ናይ ምኽከር ምድረኽ ከምዘካየድ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።

More info

t.me/KuluMedia
825 viewsedited  12:03
Aprire / Come
2023-06-09 22:26:02 ኤርትራ፡ ብሸፋን ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝባ፣፡እቲ 1.3% ወይ 52 ሽሕ ስባት ጥራይ’ዮም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ናይ ምዃን ዕድል ከምዝረኸቡ ዝተሓበረ ኮይኑ


ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ እታ ዝተሓተ ሸፈነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ምዃና፣ ካፒታል ቢዝነስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣፍሊጡ

ሓላፊት መሸጣን ርክባትን ኣብ ትካል ማይክሮሶፍት ማእከል ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ታቢዝ ሚየና፣ ኣብቲ ኣብ ቴክኖሊጂን ንግዲን ዘተኩር መርበብ፣ ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ምዕባለ የርኢ ምህላዉ ሓቢራ።

ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብዛ ኣህጉር 1% ዝነበረ መጠን ተጠቃምነት ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ኣብ 2023 ዓ/ም/ፈናብ 29% ከምዝሰፍሐ ንጸብጻባት ባንኪ ዓለም ብምውካስ ገሊጻ።


እንተኾነ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሒደት ሃገራት ብዙሕ ገስጋስ ከምዘየርኣያ እቲ ኣብ ካፒታል ቢስነስ ዝሰፈረ ጸብጻብ የመልክት።



ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብ70% ሸፈነ ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ኤርትራ ግና ብኣስታት 1% ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ።


ኣህጉራዊ ማሕበር ቴሌኮሚኒኬሽን ኣቐዲሙ ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕቲ፣ ኣብ ዓለም ዝወሓደ ተጠቓሚ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ምዃነን ምግላጹ ይዝከር።


25 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሰሜን ኮርያ፣ እቲ ኣስታት 20 ሽሕ ወይ ድማ እቲ 0.1% ጥራይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይርከብ።


ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፣ ኣብ ዓለም ዝወሓደ ብዝሒ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር፣ ኤርትራ፣ ካብ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝባ፣ እቲ 1.3% ወይ 52 ሽሕ ስባት ጥራይ’ዮም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ናይ ምዃን ዕድል ረኺቦም።


ኣብ መንጎ ስጳኛን ፈረንሳን ተቐርቂራ እትርከብ ንእሽቶ ሃገረ ኣንዶራ፣ ኣብዛ ዓለምና ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ዝበዝሐ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዋ’ያ።


እዛ ሃገር፣ 77 ሽሕ ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ክህልዋ እንከሎ፣ እቲ 98.9% ተጠቃሚ ኢንተርነት’ዩ።


ከም ኣይስላንድን ኖርወይን ዝኣመሰ ሃገራት ስካንዲናቭያን፣ ልዕሊ 98.4% ካብ ህዝበን ተጠቓሚ ኢንተርነት ብምዃኑ፣ እቲ ዞባ ቀዳሚ ቦታ ይሕዝ።


እቲ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓቖፈ ማሕበር ቴሌኮሙኒኬሽን ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ብደረጃ ዓለም ተጠቃሚ ኢንተርነት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ 4.54 ቢልዮን ይግምገም።

More info

t.me/KuluMedia
758 viewsedited  19:26
Aprire / Come
2023-06-09 22:26:00
528 views19:26
Aprire / Come
2023-06-09 16:34:35 ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ህሉው ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ዘየገናዘበ ንዓማዊላቱ ሕሉፍ ዕዳ ምስ ወለዱ ክፈሉ ብምባል ፀረ-ህዝቢ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ዓማዊል እቲ ትካል ከሲሶም


ካብ ማሕበር ኣክስዮን ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ገንዘብ ተለቂሖም ዝነበሩ ግን ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ሃፍቶሙን ንብረቶሙን ዓንዩ ንከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልዉላው ተሳጢሖም እንዳሃለዉ እቲ ትካል ግን ዕዳ ምስ ወለዱ መልሱ ይብለና ኣሎ ዝብሉ ወገናት ይበራኸቱ ኣለዉ፡፡




እዚ ትካል ብዘረባ ድኣ እዩ ናይ ህዝቢ ትካል እየ ዝብለና እምበር ብተግባርስ ኣንፃርና እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ዝብሉ ኣካላት እዉን ኣይተሳኣኑን



እዚ ጉዳይ ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ከመይ ይሪኦ ብዝብል ንዘቐረበሎም፡ሕቶ ምላሽዝሃቡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ኣብዝሃብዎ ምላሽ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ይርዳእና እዩ ድሕሪ ምባሎም ግን ድማ እቲ ትካል ክፃወሮ ዝኽእል ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራሕ ወለድ ገዲፍና ኢና ካብዚ ንላዕሊ ግን ኣይዓቕምናን ክብሉ ዝገለጹ ኮይኖም፡ናን መዓልቲ ብዝወሰኸ ቑፅሪ እቲ ወለድን ዕዳን ንባዕሉ ክደራረቦ ከም ዝኽእል ግን ክፈልጥ ይግባእ ኢሎም፡፡




ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ኩነታት ትካላት ፋይናንስ ምስቲ ዝገጠመን ዕንወት ጉዳይ ዓማዊለንን ተዛሚዱ እንታይ መፍትሒ ክቕመጥ ይእኽእል ንዝብል በዓል ሞያ ፋይናንስን ስነ ቁጠባን ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ እንትገልፁ ኣብ እዋን ኩናት ወይድማ ኮቨድ 19 ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝወሰድኦ ተመኩሮ ከም ሓደ መፍትሒ ኢሎም ዘቐመጥዎ ካብ ዕዳ መኽፈሊ ግዜ ምንዋሕ ክሳብ ጠቕሊልካ ዕዳ ምስራዝ ዘኽእል ስጉምቲ ከም ዝወሰዳ የረድኡ፡፡


ናይ ትግራይ ዕንወት ካብ ካልኦት ከም ተሞኩሮ ዝተወሰዳ ሃገራት ፍልይ ዘብሎ እዩ ዝበሉ ሙሁር ፋይናንስን ስነ-ቁጠባን ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ሃፍቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰሪሑ ዕድመኡ ክምልሰሉ ዝኽእለሉ ጥሪት እዉን እዩ ዓኒዎ ይብሉ፡፡



ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ካብ ካልኦት ባንክታት ብላዕሊ ዘይታኣደነ ወለድ ዘኽፍል ከምዚኣቶም ዝበሉ ከበድቲ እዋናት ክፍጠሩ ከም ዝኽእሉ ተሓሳቢ ብምግባር እዩ ስለ ዝኾነ ድማ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ትካል ካብ ዘለዎ ልምድን ዓለም ለኻዊ ተሞኩሮን ብምዉሳድ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክፍፅም ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም ኣለው


ተዘይ ኮይኑ ግን ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ናይቲ ትካል ቐንዲ ዓማዊል ንዝኾኑ ሓረስታይ ትግራይን ሰራሕተኛ መንግስትን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘለዉ ዘየፅናዕኻ ዕዳ ክኸፍሉ ምግባር ኢ-ሞራላዉን ዘይሓላፍነታዊ ተግባርን ስለ ዝኾነ ህዝባዉነት እቲ ትካል እውን ናብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ ኢሎም፡፡


ቦርድ እቲ ትካል ሓዊሱ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ድማ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ እጃሞም ክፍፅሙን መንግስቲ እውን ፖለቲካዊ ፍታሕ ከቐምጠሉን ምሁራዊ ለቦዎኦም ኣቕሪቦም ኣለው።

More info

t.me/KuluMedia
537 viewsedited  13:34
Aprire / Come