Get Mystery Box with random crypto!

ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ህሉው ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ዘየገናዘበ ንዓማዊላቱ ሕሉፍ ዕዳ | Kulu Media ኩሉ ሚድያ

ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ህሉው ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ዘየገናዘበ ንዓማዊላቱ ሕሉፍ ዕዳ ምስ ወለዱ ክፈሉ ብምባል ፀረ-ህዝቢ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ዓማዊል እቲ ትካል ከሲሶም


ካብ ማሕበር ኣክስዮን ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ገንዘብ ተለቂሖም ዝነበሩ ግን ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ሃፍቶሙን ንብረቶሙን ዓንዩ ንከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልዉላው ተሳጢሖም እንዳሃለዉ እቲ ትካል ግን ዕዳ ምስ ወለዱ መልሱ ይብለና ኣሎ ዝብሉ ወገናት ይበራኸቱ ኣለዉ፡፡




እዚ ትካል ብዘረባ ድኣ እዩ ናይ ህዝቢ ትካል እየ ዝብለና እምበር ብተግባርስ ኣንፃርና እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ዝብሉ ኣካላት እዉን ኣይተሳኣኑን



እዚ ጉዳይ ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ከመይ ይሪኦ ብዝብል ንዘቐረበሎም፡ሕቶ ምላሽዝሃቡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ኣብዝሃብዎ ምላሽ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ይርዳእና እዩ ድሕሪ ምባሎም ግን ድማ እቲ ትካል ክፃወሮ ዝኽእል ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራሕ ወለድ ገዲፍና ኢና ካብዚ ንላዕሊ ግን ኣይዓቕምናን ክብሉ ዝገለጹ ኮይኖም፡ናን መዓልቲ ብዝወሰኸ ቑፅሪ እቲ ወለድን ዕዳን ንባዕሉ ክደራረቦ ከም ዝኽእል ግን ክፈልጥ ይግባእ ኢሎም፡፡




ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ኩነታት ትካላት ፋይናንስ ምስቲ ዝገጠመን ዕንወት ጉዳይ ዓማዊለንን ተዛሚዱ እንታይ መፍትሒ ክቕመጥ ይእኽእል ንዝብል በዓል ሞያ ፋይናንስን ስነ ቁጠባን ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ እንትገልፁ ኣብ እዋን ኩናት ወይድማ ኮቨድ 19 ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝወሰድኦ ተመኩሮ ከም ሓደ መፍትሒ ኢሎም ዘቐመጥዎ ካብ ዕዳ መኽፈሊ ግዜ ምንዋሕ ክሳብ ጠቕሊልካ ዕዳ ምስራዝ ዘኽእል ስጉምቲ ከም ዝወሰዳ የረድኡ፡፡


ናይ ትግራይ ዕንወት ካብ ካልኦት ከም ተሞኩሮ ዝተወሰዳ ሃገራት ፍልይ ዘብሎ እዩ ዝበሉ ሙሁር ፋይናንስን ስነ-ቁጠባን ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ሃፍቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰሪሑ ዕድመኡ ክምልሰሉ ዝኽእለሉ ጥሪት እዉን እዩ ዓኒዎ ይብሉ፡፡



ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ካብ ካልኦት ባንክታት ብላዕሊ ዘይታኣደነ ወለድ ዘኽፍል ከምዚኣቶም ዝበሉ ከበድቲ እዋናት ክፍጠሩ ከም ዝኽእሉ ተሓሳቢ ብምግባር እዩ ስለ ዝኾነ ድማ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃ ተኽሉ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ትካል ካብ ዘለዎ ልምድን ዓለም ለኻዊ ተሞኩሮን ብምዉሳድ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክፍፅም ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም ኣለው


ተዘይ ኮይኑ ግን ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ናይቲ ትካል ቐንዲ ዓማዊል ንዝኾኑ ሓረስታይ ትግራይን ሰራሕተኛ መንግስትን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘለዉ ዘየፅናዕኻ ዕዳ ክኸፍሉ ምግባር ኢ-ሞራላዉን ዘይሓላፍነታዊ ተግባርን ስለ ዝኾነ ህዝባዉነት እቲ ትካል እውን ናብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ ኢሎም፡፡


ቦርድ እቲ ትካል ሓዊሱ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ድማ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ እጃሞም ክፍፅሙን መንግስቲ እውን ፖለቲካዊ ፍታሕ ከቐምጠሉን ምሁራዊ ለቦዎኦም ኣቕሪቦም ኣለው።

More info

t.me/KuluMedia