Get Mystery Box with random crypto!

ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ባህርዳር ኣትዩ። | Kulu Media ኩሉ ሚድያ

ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ባህርዳር ኣትዩ።


ብፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ባህርዳር ሎሚ ረፋድ ኣትዩ ኣሎ ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ ባህርዳር ደ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ደጃዝማች በላይ ዘለቀ ምስ በጽሐ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕን ፕሬዝዳንትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ክልልን ተቐቢሎምዎ ኣለው ።


ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን እቲ ሉኡኽ ጉጀለን ምስ ሓላፊ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ዶ/ር ይልቃል ከፋለ ን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ኣብ ርክብ ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይ ኣድሂቦም ክላዘቡ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ



ብተወሳኺ ድማ ኣብ ጉዳይ ራያን ምዕራብ ትግራይን ኣመልኪቱ ፖለቲካዊ ልዝባት ንተኸታታሊ ክልተመዓልታት ድሕሪ ምክያዱ ሓበራዊ መርገጺ ተታሒዙ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ምንጭታት ሓቢሮም ኣለው ።


ሎሚ ረፋድ ናብ መቐለ ምስ ዘመርሐ ሉኡኽ ጉጀለ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ዝዘተየ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምቕናዕ ምስ ኣመራርሓ እቲ ክልል ሰፋሕቲ ናይ ምኽከር ምድረኽ ከምዘካየድ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ።

More info

t.me/KuluMedia