Get Mystery Box with random crypto!

መግለፂ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ----- ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ረዲኤት ንከፃሪ መምርሒ ዝተውሃቦ ኮ | Kulu Media ኩሉ ሚድያ

መግለፂ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ
-----
ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ረዲኤት ንከፃሪ መምርሒ ዝተውሃቦ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ዛጊድ ብዝገበሮ ምፅራይ ምጥፍእፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላኽቱ ርካባትን ተጠርጠርትን ከም ዘለው ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ኣፍሊጡ።
እዚ ርካብ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ዝተሳተፍሉ ኮይኑ እናሃልወ ህዝቢ ትግራይ ረዲኤት ተኸልኪሉ ኣደዳ ጥሜትን ሞትን ክኾዉን ኣግባብነት ስለዘይብሉ ትካላት ተራድኦ ጠጠው ዘበለኦ ሓገዘ ቀልጢፈን ክጅምራ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ፀዊዖም።
------
ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ምፅራይ ዝተጠፋፍአ ሰብኣዊ ረዲኤትን ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ እቲ ሓይሊ ዕማም ዛጊድ ብብርኪ ክልልን ዞባን ዝተጣየሹ ኮሚቴታት ብዘካየድዎ ምፅራይ ምጥፍእፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላኽቱ ርካባትን ተጠርጠርትን ከም ዘለው ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ተግባራት ስርቅን ምጥፍፋእ እቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቐንዱ 5 ኣካላት ተዋሳእቲ ዝነበሩ እንትኾኑ ንሳቶም ድማ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ፣መሓዉር መንግስቲ ፌዴራል ፣መሓውር መንግስቲ ትግራይን ኣተሓባበርቲ ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ዝኾኑ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ሓቢሮም።
ውፅኢት እቲ ዛጊድ ዝተገበረ ምፅራይ ከም ዘመላኽቶ ድማ ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕ፣ ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ 186 ተጠርጠርቲ ከምዝተረኸቡን 7 ድማ ኣብ ቀይዲ ሕጊ ከም ዝኣተውን እቶም ጀነራል ሓቢሮም።
ብመዳይ ዝተጠፋፍአ ረዲኤት ዝምልከት ድማ :-
፩.ሰራዊት ኤርትራ ኣካል እቲ ኣብ ትግራይ ዝፈፀሞ ጀኖሳይድ ዛጊድ ብዝተገበረ ምፅራይ
ስርናይ 14 ሽሕን 440 ኩንታል
ዘይቲ 43 ሽሕን 200 ሊትሮ
ዓተር 1440 ኩንታል
፪.መሓዉር ፌዴራል
ስርናይ 43 ሽሕን 196 ኩንታል
ዘይቲ 129 ሽሕን 585 ሊትሮ
ዓተር 4184 ኩንታል
፫.ብመሓውር መንግስቲ ትግራይ
ስርናይ 14 ሽሕን 317 ኩንታል
ዘይቲ 42 ሽሕን 759 ሊትሮ
ዓተር 1424 ኩንታል
ካብ ትካላት ተራድኦ ዝተልኣኸ ሰብኣዊ ረዲኤት ከም ዝተጠፋፈአ ርካባት ከም ዝተረኸበ ሓቢሮም።
እቲ ሓይሊ ዕማም ጀሚርዎ ዘሎ ስራሕቲ ምፅራይ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉን ርካባቱ እዉን ንህዝቢ በቢእዋኑ ዕላዊ ከም ዝገብር ዝገለፁ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ማንጁስ እቲ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ርካባት ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ግና ትካላት ተራድኦ ሓገዘን ጠጠው ዘብል ከም ዘይኮነን እዚ ተግባር ፀገም ሕ/ሰብ ዘበኣእስ ብምዃኑ ቀልጢፈን ክጅምራ ፀዊዖም።