Get Mystery Box with random crypto!

ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ኣስታት 13 ህጻናት ሞይቶም ክብል ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ ኣብ | Kulu Media ኩሉ ሚድያ

ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ኣስታት 13 ህጻናት ሞይቶም ክብል ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ

ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ 13 ህጻናት ከምዝሞቱ፡ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ተጠቒዖም ናብቲ ሆስፒታል ካብ ዝኣተዉ ህጻናት፡ ኣብ ግንቦት ጥራይ ሸውዓተ ህጻናት ከም ዝሞቱ እቲ ሆስፒታል ኣብቲ ሓበሬታኡ ኣረጋጊጹ ኣሎ


ስፔሻሊስት ሕክምና ህጻናት መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ስምረት ንጉሰ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብቲ ሆስፒታል ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ በብወርሑ ሰለስተ ህጻናት ይሞቱ ከም ዝነበሩ ብምሕባርካብ ጥሪ ንነጀው ብሕጽረት ምግቢ ጥራይ በቢወርሑ 13 ህጻናት ብማእኸላይ ይሞቱ ከምዘለው ብምዝኽኻር



ካብ ሚያዝያ 2015 ኣትሒዙ ናብቲ ሆስፒታል ዝኣትዉ ግዳያት ሕጽረት ምግቢ ዝዀኑ ህጻናት እናበዝሑ ይመጽኡ ምህላዎም ዝሓበረ እቲ ሆስፒታል፡ ኣብዚ እዋን ኣመና ኣሰካፊ ኣብ ዝዀነ ኵነታት ዝርከቡ 32 ህጻናት ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሶም ጽዑቕ ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ


መብዛሕትኦም ተሓከምቲ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተመዛበሉን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመጽኡን ህጻናት ምዃኖም ከኣ ኣቲ ሆስፒታል ዝሃቦ ሓበሬታ የመልክት



ናብ ዋርድ መደቀሲ ክፍሊ ሕሙማት ዝኣትዉ ህጻናት እቶም ኣመና ዝተሃሰዩ፤ ኣብ ደገ ኰይኖም ሓገዝ ምግቢ እናተተገበረሎም እውን ክሓውዩ ኣይክእሉን ተባሂሎም ዝተሓሰቡን ብምግቢ ጥራይ ዘይምለሱን ቈልዑት እዮም ዝበለ እቲ ሆስፒታል



ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝፀንሐ ኣፋውስን ቀረብ መሳርሒ ሕክምናን፡ ምስቲ ዘሎ ጠለብ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት ከምዝዀነን ኣብዚ እዋን ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ንትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ሓገዝ ደው ብምባሎም ልዕሊ ዅሉ ህጻናት ግዳያት ይዀኑ ከም ዘለዉ ገሊጹ ኣሎ ።

More info

t.me/KuluMedia