Get Mystery Box with random crypto!

ዓበይቲ ዜናታት 5 መጋቢት2015ዓ/ም 1.ኣብ ወለዶ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ውድቀት ክፈ | Kulu Media ኩሉ ሚድያ

ዓበይቲ ዜናታት 5 መጋቢት2015ዓ/ም

1.ኣብ ወለዶ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዝለዓለ ውድቀት ክፈጥር ዝኽእል ሕብረተሰብ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝሓቶም ተርእዮታት ኣብ ምእራም ዘሎ ጅማሮ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ተባሂሉ።ቅድም ክብል ኣባላት ቤት ምኽሪ ክፍለ ከተማ ቐዳማይ ወያነ ኣብ መዐወኒ ወልፍታት ዝረአ ዘሎ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ዝምልከቶ ኣካል ኣደብ ከትሕዝ ብዘቕረብዎ ፃውዒት መሰረት ስዒቡ ዝተወሰደ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ክቕፅል ናብ ካልኦት ከባብታት እውን ክሰፍሕን ከምዝግባእ ተመልኪቱ።

2. ኣብ ምጥያሽ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ብምእታው ኣብ ከባቢና ዘለዉ ፀገማት ብህፁፅ ክፈትሑልና ንፅውዕ ክብሉ ነበርቲ ወረዳ ጎሎመኸዳ ተዛሪቦም።መንግስቲ ፌደራል እውን ብመሰረት ዝኸተሞ ውዕሊ ተግባራዊ ስጉምትታት ክወስድ ፀዊዖም።

3. ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ቅሉዕ ወራር ስዒቡ ኣብ መሰረተ ልምዓት ማይ ትግራይ ዝተፈጠረ ዕንወት ንምፅጋን ሓገዝ ኩሎም ግዱሳት ኣካላት ከምዝጠልብ ተገሊፁ።እዚ ዝተገለፀ ትካል ገባሪ ሰናይ ኦክስፋም ብልዕሊ 11 ሚልዮን ዝግመት ንፅገና ትካላት ማይ ዝውዕል ናውቲ ንቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ብሓገዝ ኣብ ዘበርከተሉ እዋን እዩ።

4.ሓይልታት ፅንተት ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ብዘይምውፅኦም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ መከራ ይርከብ ክብል ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣፍሊጡ።ንስምምዕ ሰላም ስዒቡ እውን ከይተረፈ ሓይልታት ፅንተት ካብ ልእላዊ መሬት ትግራይ ብዘይምውፅኦም መከራ ህዝቢ ትግራይ ይቕፅል ምህላዉ ዘመልከተ መግለፂ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ማእለያ ዘይብሎም ገበናት ይፍፅሙ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

5. ሓይልታት ፅንተት ድሕሪ ምፍራም ስምምዕነት ሰላም እውን እንተኾነ ብሓይሊ ተቖፃፂሮም ኣብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ቕትለት ሰላማውያን ዜጋታት ጉሕለትን ዕንወትን ሃፍትን ትካላትን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ከምዘለዉ ስድራ ግዳያት ገሊፆም።እቲ ኩነታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ይኸይድ ብምህላዉ ዘላቒ መፍትሒ ክናደየሉ ድማ ፀዊዖም እቶም ስድራ ግዳያት።

https://t.me/KuluMedia